እዚ ቃል-መግለጺ ምስጢራውነት፡ ነዚ ቃላት ዝሓዘ ሓበሬታ ንዚእክብን ዝዝርግሕን መርበባት-ሓበሬታ፣ ኣገልግሎታትን ፍርያትን Microsoft ከምኡውን ዘይቀጥታዊ (ኦፍላይን) ኣገልግሎት ደገፍ ፍርያት ዚምልከት እዩ። ነዚ ቃል-መግለጺ ንዘይዝርግሕ ወይ ሊንክ ዘይገብር መርበባት-ሓበሬታ፣ ኣገልግሎታትን ፍርያትን Microsoft ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም ቃል-መግለጺታት ምስጢራውነት ንዘለዎም ኣካላት ዚምልከት ኣይኮነን።
ብኽብረትኩም ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽማቝ ኣንብብዎን ኣብ ፍሉይ ኣርእስቲ ዝያዳ ዝርዝራት ንምርካብ ኣብ “ተወሳኺ ሓበሬታ” ጠውቑ። ንቃል-መግለጺ ምስጢራውነት ፍርያት ንምርኣይ፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍርያት ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ቃል-መግለጺ ዝተጠቕሱ ሓደ ሓደ ፍርያት፣ ኣገልግሎት ወይ ዓይነት ንጥፈታት (ፍዩቸርስ)፡ ኣብ ኵሉ ዕዳጋታት ከይርከብ ይኽእል እዩ። ንምስጢራውነትኩም ንምሕላው ብዛዕባ ዘሎ ተወፋይነት Microsoft ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ፡ ኣብhttp://www.microsoft.com/privacyክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
መብዛሕቱ መርበባት-ሓበሬታ Microsoft፡ ኣብ ሃርድ ድራይቭኩም ኵኪ ኣብ ዘቐምጥ ዶመይን ብዘሎ ሰርቨር መርበብ-ሓበሬታ ኪንበብ ዚኽእል ንኡስ ናይ ቴክስት ፋይላት ማለት “ኵኪስ” ይጥቀም። ንምርጫታትኩምን መቐያየሪ ኵነታትኩምን ንምዕቃብ፣ ኣብ ሕሳብኩም ንኽትኣትዉ ንምሕጋዝ፣ ዒላማ ዚገበረ መዋዕውዒታት ንምስዳድ፣ ከምኡውን ንስራሕ መርበብ-ሓበሬታ ንምትንታን ንኵኪስ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
ንኵኪስ ኣብ ምቕራብን ንትንተናታት ኣብ ምእካብ ዚሕግዝ ቤከን መርበብ ድማ ንጥቀም ኢና። እዚ ድማ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንኸይውሰድ ዚኽልክል ናይ ሳልሳይ ኣካል ቤከን መርበብ ከጠቓልል ይኽእል።
ንኵኪስን ተመሳሰልቲ ፍርያት ተክኖሎጅን ንምቑጽጻር ዝተፈላላየ መሳርሒታት ኣሎና፣ ነዚ ዚስዕብ ድማ የጠቓልል፥
ናትና ናይ ኵኪስ ኣጠቓቕማ
መብዛሕቱ መርበብ-ሓበሬታታት Microsoft፡ ብሰርቨር መርበብ ኣብ ዘለኩም ሃርድ ድራይቭ ዚቕመጥ ንኡስ ናይ ቴክስት ፋይላት ዚኾነ “ኵኪስ” ይጥቀም። ኵኪስ፡ በቲ ኵኪ ናባኹም ዚሰደድ ኣብ ዶመይን ብዚርከብ ሰርቨር መርበብ ኪንበብ ዝኽእል ቴክስት ዚሓዘ እዩ። እዚ ቴክስት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ንኮምፕዩተርኩም ብፍሉይ ዜለሊ መስርዕ ቍጽርታትን ፊደላትን ዚሓዘ እዩ፣ ካልእ ሓበሬታ ድማ ኪሕዝ ይኽእል እዩ። ኣብነት ናይቲ ንሓደ ካብቲ ዘሎና መርበባት ሓበሬታ ኣብ ዝኸፈትክሙሉ ግዜ፡ Microsoft፡ ኣብ ሃርድ ድራይቭኩም ኣብ ዘቐምጦ ኵኪ ዝዕቐብ ጽሑፍ፡ እዚ ዚስዕብ እዩ፥ E3732CA7E319442F97EA48A170C99801
ኵኪስ ኣብ ታህቲ ንዘለዉ ተግባራት ክንጠቐሞ ንኽእል፡
እቲ ብብዝሒ እንጥቀመሉ ገለ ካብቲ ኵኪስ፡ ኣብ ዚስዕብ ሰሌዳ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ዝርዝር፡ ምሉእ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንኵኪስ እነዳልወሉ ሓደ ሓደ ምኽንያት ንምብራህ ዚዓለመ እዩ። ንሓደ ካብቲ ዘሎና መርበባት-ሓበሬታ ኣብ ዝኸፈትክሙሉ እዋን፡ እቲ መርበብ-ሓበሬታ፡ ንገለ ወይ ኵሉ ዚስዕብ ኵኪስ ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ፥
ኣብ ርእሲ’ቲ ንዘሎና መርበባት-ሓበሬታ ኣብ ዝኸፈትክሙሉ ግዜ ብMicrosoft ዚፍጠር ኵኪስ፡ ሳልሳይ ኣካላት፡ ንመርበብ-ሓበሬታ Microsoft ኣብ እትኸፍትሉ እዋን ሓደ ሓደ ኵኪስ ኣብ ሃርድ ድራይቭኩም ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት፡ ከም ትንተናታት መርበብ-ሓበሬታ (site analytics) ንዝኣመሰለ ገለ ኣገልግሎታት ኣብ ክንዳና ኮይኑ ንኽህብ ንሳልሳይ ኣካል ስለዝቖጸርና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ጉዳያት፡ ከም ቭድዮታት፣ ትሕዝቶ ዜና ወይ መዋዕውዒ ዝኣመሰለ ብኻልእ መርበባት ምውዕዋዕ ዚቐረበ ካብ ሳልሳይ ኣካላት ዝመጸ ትሕዝቶ ወይ መዋዕውዒታት ዝሓዘ መርበባት ሓበሬታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መርኣዪኹም (ብራውዘርኩም)፡ ንትሕዝቶ ደጊምካ ንምርካብ ምስ ናይ ሳልሳይ ኣካላት ሰርቨራት መርበብ-ሓበሬታ ዝተተሓሓዘ ኪኸውን ስለዝኽእል፡ እቶም ሳልሳይ ኣካላት፡ ኣብ ሃርድ ድራይቭኩም ኵኪስ ክፈጥሩ ወይ ከንብብዎ ይኽእሉ እዮም።
ኵኪስ ከመይ ክንቖጻጸር ንኽእል
ን ኣብነት፣ ኣብ ውሽጢ መርበብ ኤክስፕሎረር 9፣ ዝስዕቡ ስጉምቲታት ብመውሳድ ንኵኪስ ንምዕጋት ይኽእሉ እዮም:
ንኵኪስ ካልእ መርኣዪታት ንምዕጋት ዜድሊ መምርሒታት ኣብ http://www.allaboutcookies.org/manage-cookies/።
በጃኹም ኵኪስ ንምዕጋት እንተወሲንኩም፣ ናይ Microsoft ዓውደ ፋእሚታትን ኣብ ልዕሊ ኵኪስ ዝተመሰረቱ ግልጋሎታትን ንምዕታዉ ወይካኣ ንምጥቓም ከምዘይትኽእሉን፣ ገለ ኣብ ልዕሊ ኵኪስ ዝተመሰረቱ ናይ መዋዕውዒ መረጻታት ክኽበሩ ከምዘይኽእሉ ይፍለጡ።
ንኣብነት፣ ኣብ ውሽጢ ናይ መርበብ ኤክስፕሎረር 9፣ ኣብ ታሕቲ ንዘለዉ ስጉምቲ ብምውሳድ ንኵኪስ ምድምሳስ ትኽእሉ ኢኹም:
ኣብ ካልኦት መዳህሰሲታት ዘለዉ ኵኪስ ንምድምሳስ መምርሒታት ኣብ ቀጻላይ ኣድራሻ ይርከብ http://www.allaboutcookies.org/manage-cookies/።
በጃኹም ኵኪስ ንምድምሳስ እንተመሪጽኩም፣ ብዞም ኵኪስ ትህቲ ቑጽጽር ዘለዉ ኣቐማምጣታትን መማረጽታት፣ ናይ መዋዕውዒ መማረጽታት ወሲኹ፣ ከምዝድምሰሱን ንካልኣይ ግዜ ከምዘይትክኡ ይፍለጡ።
መዳህሰሲ "ከይትኸታተልን" ናይ ምክትታል ምክልኻል ይቖጻጸር። ገለ ሓደሽቲ መዳሰስቲ "ከይትኸታተል" ዚብሉ መፍለዪ ባሕርይታት ኣካቲቶም ኣለዉ። መብዛሕቱ መረጻታት ኣብ ዝተወለዕሉ ግዜ፣ መርበባት-ሓበሬታ ኣብ ዝኸፈትክሙሉ፣ ምክትታል ኪግበረልኩም ከምዘይትደልዩ ዚሕብር ሲግናል ወይ ምርጫ ይሰድድ’ዩ። እቶም መርበባት ሓበሬታ (ወይካኣ ኣብቶም ዘሎ ናይ ሳልሳይ ወገን ትሕዝቶ) ንስኻትኩም ነዚ መረጻ ገሊጽኩም እንተለኹም፣ ብመሰረት ናይ ዓውደ ፋእሚ ናይ ውልቐ ንጥፈታት ከም ምኽትታል ኣብ ዝቆፀሩ ተግባራት ዘለዎም ተሳትፎ ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም።
መርበብ ኤክስፕሎረር 9ን 10 ምክትታል ምክልኻል ዝበሃል ንስኻ ዝትርእዮም መርበባት ንሳልሳይ ወገን ናይ ትሕዝቶ መቕረብቲ ብዛእባኹም ዑደት ፍልፍል ሓበሬታ ከይሰድዱ ንምግባር ዚኽእል መፍለዪ ባሕርይ ኣለዉ። ምክትታል ምክልኻል ንዝግበረሉ ዝርዝር ኣስማት ኣብ እትውስኽሉ ግዜ፣ መርበብ ኤክስፕሎረር ንኵኪስ ዚጠቓልል ናይ ሳልሳይ ኣካል ትሕዝቶ ካብቲ ኪዕገት ዝተጠቕሰ መርበብ ሓበሬታ ይዓግት። ናብዚ መርበባት-ሓበሬታ ዝግበር ጻውዒታት ብምውሳን፡ መርበብ ኤክስፕሎረር እዚ መርበባት-ሓበሬታ ሳልሳይ ኣካል ብዛዕባኹም ዚምልከት ኪእክቦ ንዘለዎ ሓበሬታ ይውስኖ። ምክትታል ምክልኻል ዝግበረሉ ዝርዝር ኣብ ዝተወለዓሉ ግዜ (ኢነብል እንተተገይሩ)፡ Internet Explorer፡ ኣይትከታተሉ ዚብል ምልክት (ሲግናል) ወይ ምርጫ ናብቲ እትኸፍትዎ መርበባት ሓበሬታ ይሰድድ። ብተወሳኺ፣ ኣብ መርበብ ኤክስፕሎረር 10 DNT "ምጥፋእ" ወይካኣ "ምውላዕ" ብተናጠል፣ ከም ድልየትካ ምግባር ትኽእል ኢኻ። ምክልኻል ምክትታል ንዝግበረሉ ዝርዝር ኣስማትን ብኸመይ ክትረኽቦ ከምእትኽእልን ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ብኽብረትኩም ን ንቓል-መግለጺ ምስጢራውነት ኢንተርነት ኤክስፕሎረር ወይ ሓገዝ ኢንተርነት ኤክስፕሎረር ርኣዩ።
ነፍስወከፍ ኩባንያታት ምውዕዋዕ፡ ክትዓግተሉ እትኽእል ኣመራጺታትን ልዑል ዝደረጅኡ ተወሳኺ ዕድላት ምውዕዋዕ ድማ ይህባ እየን። ንኣብነት፥ ምርጫታት መዋዕውዒ Microsoftን መቆጻጸሪታት መዕገቲ ኣብ http://choice.live.com/advertisementchoice/. ምዕጋት፡ መዋዕውዒታት ንኸይምጽእ ጠጠው ተብሉ ወይ ውሑድ መዋዕውዒታት ጥራይ ትርእዩ ማለት ከምዘይኮነ ብኽብረትኩም ተገንዘቡ፣ ኣብ ዝዓገትክሙሉ ግዜ፡ እቲ እትቕበልዎ መዋዕውዒታት፡ ባህርያዊ ጽላዋ ዘለዎ ዒላማ ዚገበረ መዋዕውዒ ኣይከውንን ማለት እዩ። ብተወሳኺ፣ ዓጺካ ምውጻዕ ማለት ሓበሬታ ናብ ኣገልገልቲና ካብ ምፍሳስ ጠጠው ይብላ ማለት ኣይኾነን፣ ግን ንባሕርያዊ መዋዕውዒ ዝኾኑ ፕሮፋይላት ካብ ምፍጣር ወይካኣ ካብ ምህዳስ ጠጠው ክንብል ይገብረና ማለት እዪ።
ናይ ሓባሪ ሓዊ ዓዉደ ፋእሚታት ኣጠቓቕማና
ናይ Microsoft ዓውደ ፋእሚ ገጽታት ሓባሪ ሓዊ ዓዉደ ፋእሚ ተባሂሎም ዝፅዉኡ ናይ ኤሌክትሮኒክ ምስሊታት ክሕዙ - ሓደ ሓደ ግዜ ንጽል-ፒክስል ጊፍስ ተባሂሎም ዝፅዉኡ - ኵኪስ ኣብ ዓውደ ፋእሚና ንምቕራብ ዝሕግዘና፣ እቶም ገጽታት ዝተኣደሙ ተጠቐምቲ ቖጺርና ናይ ሓባር ምልኽት ዘለዉ ግልጋሎት ንሓብ። ዝተሰደ መልእኽታት ከምዝተኽፍተን ስጉምቲ ከምዝተወስደሉን ንምርግጋጽ፡ ቤከን መርበብ-ሓበሬታ፡ ኣብ ዘሎና መዋዕውዒ ናይ ኢ-መይል መልእኽትታት ወይ ጋዜጣታት ንአቱ ኢና።
ኣብ Microsoft ዓውደ ፋእሚ ካብቶም ዘዋዕውዑ ምስ ካልኦት ትካላት ሓቢርና ብምስራሕ ሓባሪ ሓዊ ዓዉደ ፋእሚ ብኣኣቶም ዓዉደ ፋእሚ ወይከኣ መዋዕውዒታት ንምቕማጥን ናይ Microsoft ዓውደ ፋእሚ ምጥዋቕ ኣብ ኣዋዕዋዒ ዓውደ ፋእሚ ናይ ምዕዳግ ወይከኣ ካልእ ተግባር ዘምጸልካ ውጽኢት ንምስፋር የኽእለና።
ኣብ መወዳእታ፡ መርበባት-ሓበሬታ Microsoft፡ ብዛዕባ ውጽኢታውነት ዘሎና ንጥፈታት ምውዕዋዕ ወይ ካልእ ስራሓት መርበብ-ሓበሬታ ዚምልከት እኩብ ስታትስቲካዊ ጸብጻብ ንምድላው ዚሕግዘና ካብ ሳልሳይ ኣካላት ዝተረኽበ ቤከን መርበብ-ሓበሬታ ኪሕዝ ይኽእል እዩ። እዚ ቤከን መርበብ፡ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ንዘሎ ኵኪ ንምፍጣር ወይ ንምንባብ ንሳልሳይ ኣካላት የፍቕድ። ሳልሳይ ኣካላት፡ ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ንምእካብ ወይ ንምርኣይ ኢሎም ቤከን መርበብ ኣብ ዘሎና መርበባት-ሓበሬታ ንኽጥቀሙ ንኽልክል ኢና። እንተኾነ ግን፡ ናብ’ዞም ዝስዕቡ ወሃብቲ ትንተናዊ ሓበሬታት (analytics providers) ዚወስድ ሊንክ ብምጥዋቕ፡ ኩባንያታት ሳልሳይ-ኣካል ሓበሬታ ንኸይቕበሉ ወይ ንኸይጥቀሙ ክትዓግቱ ትኽእሉ ኢኹም፥
ካልእ ተመሳሳሊ ፍርያት ተክኖሎጂ
ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ልሙድ ኵኪስን ቤከን መርበብን፡ መርበባት-ሓበሬታ፡ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ናይ ሓበሬታ ፋይላት ዝዕቅብን ዘንብብን ካልእ ፍርያት ተክኖሎጂ ክጥቀም ይከኣል እዩ። ንዘለኩም ምርጫታት ንምዕቃብ ወይ ገለ ፋይላት ኣብ ኮምፕዩተርኩም ብምዕቃብ ድማ ንፍጥነትን ስራሕን ንምምሕያሽ ኪግበር ይኽእል። ልክዕ ከም ልሙዳት ኵኪስ ድማ ባህርያዊ ጽልዋ ንዘለዎ ንጥፈታት ንምክትታል ዜገልግል ፍሉይ መለለዪ (unique identifier) ኣብ ኮምፕዩተርኩም ንምዕቃብ ኬገልግል ይኽእል እዩ። እዚ ፍርያት ተክኖሎጂ፡ ንLocal Shared Objects (ወይ "Flash cookies") ከምኡውን Silverlight Application Storage የጠቓልል።
Local Shared Objects ወይ "Flash cookies." ንፍርያት ተክኖሎጂ Adobe Flash ዝጠቀማ መርበባት-ሓበሬታ፡ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ሓበሬታ ንምዕቃብ ንLocal Shared Objects ወይ "Flash cookies" ክጥቀማ ይኽእላ እየን። ንFlash cookies ናይ ምጽራይ ተኽእሎ፡ ብመርኣዪ (ብራውዘር) ስለዝፈላለየ፡ ልክዕ ከምቲ ንልሙዳት ኵኪስ ኣብ እትርእይሉ መርኣዪ (ብራውዘር) ለውጥታት ብምግባር ክትቆጻጸርዎ ወይ ከይትቆጻጸርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ንFlash cookies ንምምሕዳር ወይ ንምዕጋት፡ ናብhttp://www.macromedia.com/support/documentation/en/flashplayer/help/settings_manager.html.
Silverlight Application Storage. ንተክኖሎጂ Microsoft Silverlight ዝጥቀማ መርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣፕሊኬሽን፡ ንSilverlight Application Storage ብምጥቃም ንሓበሬታ ናይ ምዕቃብ ተኽእሎ ኣለወን። ንኸምዚ ዚበለ መዐቀቢታት (ስቶርኤጅ) ብኸመይ ከምእተመሓድርዎ ወይ እትዓግትዎ ንምፍላጥ፡ ንSilverlightከፊትኩም ርኣዩ።
Microsoft፡ ብስሉጥ መገዲ ንኽንሰርሕን ብእንኽእሎ መጠን ዝበለጸ ፍርያት፣ ኣገልግሎታትን ተሞክሮታትን ንኽንህብን ብዙሕ ዓይነታት ሓበሬታ ይእክብ እዩ።
ኣብ እትምዝገብሉ፣ ናብ ሕሳብኩም እትኣትውሉን ንዘሎና መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎትን እትኣትውሉን እዋን ሓበሬታ ንእክብ ኢና። ካብ ካልኦት ኩባንያታት ድማ ሓበሬታ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ነዚ ሓበሬታ፡ ብዝተፈላለየ መገድታት ንእክብ፣ እዚ ድማ ካብ ቅጥዕታት መርበብ፣ ከም ኵኪስ፣ ምእታው ናብ መርበብን ኣብ ኮምፕዩተርኩም ወይ ካልእ መሳርሒታት ዘሎ ሶፍትዌር ዝኣመሰለ ተክኖሎጅን ንዝርከብ የጠቓልል።
Microsoft፡ ብስሉጥ መገዲ ንኽንሰርሕን ብእንኽእሎ መጠን ዝበለጸ ፍርያት፣ ኣገልግሎትትን ተሞክሮታትን ንኽንህብን ብዙሕ ዓይነታት ሓበሬታ ይእክብ። ገለ ካብዚ ሓበሬታ፡ ብቐጥታ ንዓና ትህቡና ኢኹም። ገለ ካብኡ፡ ምስ ፍርያትናን ኣገልግሎትናን ንእተካይድዎ ንጥፈታት ብምዕዛብ ንረኽቦ። ገለ ካብኡ ድማ ምስቲ ብቐጥታ እንእክቦ ሓበሬታ ካብ እንጽምብረሉ ካልእ ምንጭታት ይርከብ። ምንጪ ብዘየገድስ፡ ነቲ ሓበሬታ ክንጥንቀቐሉን ናትኩም ምስጢራውነት ኣብ ምሕላው ክንሕግዘኩምን ኣገዳሲ’ዩ ኢልና ንኣምን።
እንእክቦ እንታይ እዩ፥
ብኸመይ ንእክቦ፥
ንዘሎና መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ብኸመይ ከምእትጥቀሙሉ ዚምልከት ሓበሬታ እንእክበሉ ሓያለ ኣገባባትን ተክኖሎጂን ንጥቀም ኢና፣ ንሱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፥
Microsoft፡ ንእንህቦ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንኸካይድ፣ ንኸመሓይሽን ከከም ዝደልይዎ ንውልቀሰባት ንኽቅርብን ሓበሬታ ንምእካብ ይጥቀመሉ።
ነዚ ሓበሬታ’ዚ ድማ ምሳኹም ንኽንራኸብ፡ ንኣብነት፥ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕሳብኩምን ውሕስነቱን ዚምልከት ንዓኹም ንምሕባር ክንጥቀመሉ ንኽእል።
ኣብቲ ብመዋዕውዒ እናተደገፈ ዚውሃብ ኣገልግሎትና ንእትርእይዎ መዋዕውዒታት ንዓኹም ዚሰማማዕ ንኽንገብር መታን ክሕግዘና ድማ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
Microsoft፡ ንእንህቦ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንኸካይድ፣ ንኸመሓይሽን ከከም ዝደልይዎ ንውልቀሰባት ንኽንቅርብን ሓበሬታ ንምእካብ ይጥቀመሉ። እቲ ብመገዲ ሓደ ኣገልግሎት Microsoft ዚእከብ ሓበሬታ፡ ብዝያዳ ስሩዕን ከከም እትደልዎን ምሳና ዝምድናታት ንኽትገብሩ፡ ብመገዲ ካልእ ኣገልግሎታት Microsoft ኣቢሉ ምስ ዝእከብ ሓበሬታ ክጽምበር ይከኣል እዩ። ካብ ካልእ ኩባንያታት ንዝርከብ ሓበሬታ ድማ ከም ተወሳኺ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፥ ንገለ ኣገልግሎታት ምስ ዘለኹምዎ ጅኦግራፍያዊ ቦታ ዚሰማማዕ ንምግባር፡ ብመሰረት እትጥቀሙሉ ኣድራሻ IP ሓፈሻዊ ጅኦግራፍያዊ ከባቢ ንምፍጣር መታን ክሕግዘና፡ ነቲ ብኻልእ ኩባንያታት ዝውሃብ ኣገልግሎታት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
ምሳኹም ርክብ ክንገብር፡ ንኣብነት፥ ምዝገባኹም መዓስ ከምዘብቅዕ ንኽንሕብረኩም፣ ብዛዕባ ውሕስነት ዚምልከት እዋናዊ ሓበሬታ መዓስ ከምዝወጽእ ንኽንሕብረኩም ወይ ንዘለኩም ሕሳብ ከምዚሰርሕ ንኽትገብሩ እንታይ ስጉምቲ ክትወስዱ ከምዘድልየኩም ንኽንሕብረኩም፡ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
Microsoft፡ ብመዋዕውዒታት ዝድገፍ ስለዝኾነ፡ ዘሎና መብዛሕቱ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎትን ብናጻ ብዘይ-ክፍሊት ይህብ። እዚ ኣገልግሎታት ብሰፊሑ ከምዝህሉ ንምግባር፡ ከምኡውን እቲ እትርእይዎ መዋዕውዒታት ንዓኹም ዚሰማማዕ ንምግባር ኣብ ምምሕያሽ ንኽሕግዘና፡ ነቲ እንእክቦ ሓበሬታ ክንጥቀመሉ ኢና።
ኣብዚ ቃል-መግለጺ ምስጢራውነት ዝተገልጸ እንተዘይኮይኑ፡ ናትኩም ፍቓድ ከይረኸብና ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ሳልሳይ ኣካል ከምዝርእዮ ኣይክንገብርን ኢና።
ሓበሬታ ንኻልእ ማለት ንመሻርኽትን ቀረብትን Microsoft ዜጠቓልል፡ መዓስ ከምእነርኢ ብዚምልከት ዝርዝራት ድማ ብኽብረትኩም ንኻልእ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምስጢራውነት (Other Important Privacy Information)፣ ሕጊ ዘገድድ ወይ ንሕጋዊ መስርሕ መልሲ ክውሃብ ዘድሊ እንተኾይኑ፣ ምጥፍፋእ ንምክልኻል ወይ ረብሓና ንምሕላው፣ ወይ ህይወት ሰባት ንኽንከላኸል ዘድሊ እንተኾይኑ ርኣዩ።
ብዛዕባ ውልቃዊ ሓበሬታ ንካልእ ሰብ ምሃብ ወይ ከምዝርእዮ ምግባር ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።
ገለ ኣገልግሎታት Microsoft፡ ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ብቐጥታ (ኦንላይን) ክትርእዩ ወይ ክትቀያይሩ የኽእለኩም። ካልኦት ሰባት ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ከይርእዩ ንምኽልካል፡ ፈለማ ናብ ሕሳብኩም ኽትኣትዉ ኣለኩም። ብኸመይ ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ንዚብል ድማ ኣብቲ እትጥቀሙሉ መርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ዚምርኮስ እዩ።
Microsoft.com - ን Microsoft.com Profile Centerከፊትኩም ብምርኣይ ነቲ ኣብ microsoft.com ዘሎ ብዛዕባኹም ዚምልከት ሓበሬታ (ፕሮፋይል) ክትኣትዉን ከተመሓይሹን ትኽእሉ።
Microsoft Billing and Account Services - መኽፈሊ ሕሳብ Microsoft እንተሊኩም፡ ኣብ "Personal Information" ወይ "Billing Information" ዚብል ሊንክ ብምጥዋቕ ኣብ Microsoft Billing web site ንዚርከብ ሓበሬታኹም ከተመሓይሹ ትኽእሉ ኢኹም።
Microsoft Connect - ኣብ Microsoft Connect ዝተመዝገብኩም ተጠቃሚ እንተዄንኩም፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ Microsoft Connect ኣብ Manage Your Connect Profile ዚርከብ ብምጥዋቕ ናብ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ክትኣትዉን ከተመሓይሽዎን ትኽእሉ ኢኹም።
Windows Live - ንኣገልግሎታት Windows Live እትጥቀሙ እንተዄንኩም፡ ንWindows Live Account Servicesከፊትኩም ብምራኣይ ንዘለኩም ውልቃዊ ሓበሬታ ከተመሓይሹ፣ ፓስዎርድኹም ክትቅይሩ፣ ምስ መረጋገጺታትኩም (ክረደንሽያልስ) ንዝተኣሳሰር ፍሉይ መንነት ክትርእዩ ወይ ንገለ ሕሳባትኩም ክትዓጽዉ ትኽእሉ ኢኹም።
Windows Live Public Profile - ናይ ሓባር ውልቃዊ ሓበሬታ (ፕሮፋይል) ኣብ Windows Live ዝኸፈትኩም እንተዄንኩም፡ ናብ ብምእታው ኣብ ናይ ሓባር ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንዘሎ ሓበሬታ ክትቀያየሩ ወይ ክትድምስሱ ትኽእሉ ኢኹም።
Search Advertising - ብመገዲ መዋዕውዒ Microsoft ኣቢልኩም ናይ መናደዪ (ሰርች) መዋዕውዒ ዝዓደግኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ ብምእታው ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ክትርእዩን ክትቀያየሩን ትኽእሉ ኢኹም።
Microsoft Partner Programs - ኣብ ፕሮግራማት መሻርኽቲ Microsoft ዝተመዝገብኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ፕሮግራም መሻርኽቲ ኣብ ዘሎManage Your Account ብምጥዋቕ ንውልቃዊ ሓበሬታኹም (ፕሮፋይል) ክትርእዩን ክትቀያይሩን ትኽእሉ ኢኹም።
Xbox - ተጠቃሚ Xbox LIVE ወይ Xbox.com እንተዄንኩም፡ ኣብ ኮንሶል Xbox 360 ወይ መርበብ-ሓበሬታ Xbox.com ኣብ ዝርከብ My Xbox ብምእታው፡ ንሓበሬታ መኽፈልን ሕሳብን፣ መቀያየር ኵነታት ምስጢራውነት፣ ቀጥታዊ (ኦንላይን) ውሕስነትን ምርጫታት ምልውዋጥ ሓበሬታ ዜጠቓልል ውልቃዊ ሓበሬታ ክትርእዩ ወይ ክትቀያይሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንሓበሬታ ሕሳብ ብዚምልከት ድማ ንMy Xbox፣ Accounts ምረጹ። ንውልቃዊ ሓበሬታ ካልእ መቐየሪ ኵነታት (settings)፡ ንMy Xbox፣ ድሕሪኡ ንProfile፣ ቀጺልኩም ንOnline Safety Settings ምረጹ።
Zune - ሕሳብ Zune እንተሊኩም ወይ ኣብ Zune Pass ዝተመዝገብኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ Zune.net (ናብ ሕሳብኩም ብምእታው፣ ናብ Zune tag እተዉ፣ ድሕሪኡ ናብ My Account ምረጹ) ወይ ብመገዲ ሶፍትዌር Zune ገይርኩም (ናብ ሕሳብኩም ብምእታው፣ ድሕሪኡ ናብ Zune tag እተዉ፣ ቀጺልኩም ንZune.net profile ምረጹ) ንዓኹም ዚምልከት መወከሲ ሓበሬታ ንኽትርእዩን ንኽትቀያይሩን ትኽእሉ ኢኹም።
ብመርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት Microsoft ንዝተኣከበ ውልቃዊ ሓበሬታ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሊንክ ክትኣትዉ እንተዘይክኢልኩም፡ እዚ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎትን፡ ናትኩም ሓበሬታ ከተእትውሉ እትኽእሉ ካልእ መገድታት ክህበኩም እዩ። ንቅጥዒ መርበብ (web form)ብምጥቃም ንMicrosoft ክትውከሱ ትኽእሉ። ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ንኽትኣትውዎ ወይ ንኽትድምስስዎ ንዘቕረብክሙዎ ሕቶ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክንምልስ ኢና።
መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት Microsoft፡ ንሓበሬታ ዕድመ ኣብ ዝእክበሉ እዋን፡ ንትሕቲ 13 ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ንኸይጥቀሙ ይዓግቶም ወይ ድማ ቆልዑ ንኽጥቀሙ ናይ ወላዲ ወይ መጉዚት ፍቓድ ዝረኸበ ኪኸውን ኣለዎ።
ፍቓድ እንተተረኺቡ፡ ሕሳብ ቆልዓ፡ ልክዕ ከም ካልእ ሕሳብ ይውሰድ፣ ምስ ካልኦት ተጠቀምቲ ርክብ ንኽገብር ድማ ከኽእሎ እዩ።
ወለዲ፡ ኣብዚ ቃል-መግለጺ ምስጢራውነት ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ንዝሃብዎ ፍቓድ ክቕይርዎ ወይ ክስርዝዎ ይኽእሉ እዮም።
መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት Microsoft፡ ንሓበሬታ ዕድመ ኣብ ዝእክበሉ እዋን፡ ንትሕቲ 13 ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ንከይጥቀሙ ክዓግት’ዩ ወይ ድማ ክጥቀሙ ቅድሚ ምኽኣሎም ካብ ወላዲ ወይ መጉዚት ፍቓድ ንኸቕርቡ ክሓቶም እዩ። ነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣድላዪ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ሓበሬታ መታን ክህቡ፡ ትሕቲ 13 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ብፍላጥ ኣይክንሓትትን ኢና።
ፍቓድ እንተተረኺቡ፡ ሕሳብ ቆልዓ፡ ልክዕ ከም ካልእ ሕሳብ ይውሰድ። እቲ ቆልዓ፡ ከም ኢ-መይል፣ መዕለሊ (instant messaging) ከምኡውን ቦርድ ቀጥታዊ ምልውዋጥ (online message boards) ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ርክብ ክጥቀም ይኽእል ከምኡውን ኣብ ዝኾነ ዕድመ ምስ ዝርከቡ ካልኦት ተጠቀምቲ ድማ ብናጻ ርክብ ኪግበር ይኽእል።
ወለዲ፡ ነቲ ኣቐዲሞም ዝሃብዎ ምርጫታት ፍቓድ ንኽቕይሩ ወይ ንኽስርዙ ከምኡውን ንውልቃዊ ሓበሬታ ቆልዑ ንኽርእዩ፣ ክቐያይሩ ወይ ንኽድምሰስ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፥ ኣብ Windows Live፡ ወለዲ፡ ንሕሳቦም ከፊቶም ክኣትዉን ኣብፍቓድ ወለዲ ("Parental Permissions")ብምጥዋቕ ክቕይሩን ይኽእሉ።
መብዛሕቱ ኣብ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን Microsoft ዝቐርብ ቀጥታዊ (ኦንላይን) መዋዕውዒታት፡ ብምውዕዋዕ Microsoft ከምዚዝርጋሕ ይግበር። ቀጥታዊ መዋዕውዒታት ናባኹም ኣብ እንዝርግሓሉ እዋን፡ መዋዕውዒ ናባኹም ምስ ሰደድና ነታ ኮምፕዩተርኩም ንኸነለልያ (ንኽንፈልጣ) ሓደ ወይ ልዕሊኡ ኵኪስ ነቐምጥ። ምስ ግዜ ድማ ካብቲ መዋዕውዒታት ዘቕረብናሉ መርበባት-ሓበሬታ፡ ሓበሬታ ክንእክብን ተወሳኺ ተመሳሳሊ መዋዕውዒታት ኣብ ምቕራብ ንኽሕግዘና ድማ ነዚ ሓበሬታ ክንጥቀምን የኽእለና።
ኣብ መዕገቲ ገጽ (opt-out page)ከፊትኩም ብምእታው ነቲ ካብ ምውዕዋዕ Microsoft ዚልኣኽ ዒላማ ዝገበረ መዋዕውዒታት ንኸይትቕበሉ ክትዓግትዎ ትኽእሉ ኢኹም።
መብዛሕቱ’ቲ ዘሎና መርበባት-ሓበሬታን ቀጥታዊ (ኦንላይን) ኣገልግሎታትን፡ ብመዋዕውዒታት ደገፍ ዚረክብ እዩ።
መብዛሕቱ ኣብ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን Microsoft ዝቐርብ ቀጥታዊ (ኦንላይን) መዋዕውዒታት፡ ብምውዕዋዕ Microsoft ከምዚዝርጋሕ ይግበር። ቀጥታዊ መዋዕውዒታት ኣብ እንሰደልኩም እዋን፡ ኣብ እንሰደልኩም ነፍስወከፍ መዋዕውዒ ንኮምፕዩተርኩም ንኸነለልያ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ሓደ ወይ ልዕሊኡ ዘየቛርጽ ኵኪስ ነቐምጥ ኢና። ኣብ ዘሎና መርበባት-ሓበሬታን ኣብ ዘለዉና መሻርኽቲ ምውዕዋዕን ኣሕተምትን መዋዕውዒታት እንዝርግሕ ስለዝኾንና፡ ንስኹም ኩኑ ንኮምፕዩተርኩም ዝጥቀሙ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ዝኸፈትክሙዎ ወይ ዝርኣኽሙዎ ዓይነታት ገጻት፣ ትሕዝቶን መዋዕውዒታትን ብዚምልከት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓበሬታ ክንእክብ ከኽእለና እዩ። እዚ ሓበሬታ፡ ንብዙሕ ዕላማታት ንጥቀመሉ፣ ንኣብነት፥ ሓደ ዓይነት መዋዕውዒታት ጥራይ ደጋጊምኩም ንኸይትርእዩ ንምርግጋጽ ይሕግዘና። ንዓኹም ከገድስ ይኽእል ኢልና እንኣምኖ ዒላማ ዝገበረ መዋዕውዒታት ንኽንመርጽን ክንዝርግሕን መታን ክሕግዘና ድማ ነዚ ሓበሬታ ንጥቀመሉ።
ኣብ ዘሎናመዕገቲ ገጽ (opt-out page)ከፊትኩም ብምእታው ድማ ነቲ ካብ ምውዕዋዕ Microsoft ንእትቕበልዎ ዒላማ ዚገበረ መዋዕውዒታት ንኸይትቕበሉ ክትዓግትዎ ትኽእሉ ኢኹም።. ምውዕዋዕ Microsoft ብኸመይ ሓበሬታ ከምዝእክብን ከምዝጥቀምን ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ብኽብረትኩም ንንቃል-መግለጺ ምስጢራውነት ምውዕዋዕ ማይክሮሶፍት (Microsoft Advertising Privacy Statement)ርኣዩ።
መዋዕውዒታት ኣብ ዘሎና መርበባት-ሓበሬታ ንኽዝርግሑ ድማ ንካልኦት መርበባት ምውዕዋዕ ዜጠቓልሉ ናይ ሳልሳይ ኣካል ኩባናንያታት ምውዕዋዕ የፍቅድ እዩ። ኣብ ገለ ኵነታት ድማ እዞም ሳልሳይ ኣካላት፡ ኵኪስ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ከቕምጡ ይኽእሉ እዮም። እዘን ኩባንያታት፡ ኣብዚ እዋን ነዘን ዝስዕባ ዜጠቓልላ ክኾና ከለዋ ኣብአን ጥራይ ዝተወሰነ ግን ኣይኮነን፥ 24/7 Real Media, adblade, AdConion, AdFusion, Advertising.com, AppNexus, Bane Media, Brand.net, CasaleMedia, Collective Media, InMobi, Interclick, Jumptap, Millennial Media, Nugg.ad AG, Mobclix, Mojiva, SpecificMedia, Tribal Fusion, ValueClick, Where.com, Yahoo!, YuMe, Zumobi. እዘን ኩባንያታት፡ ብመሰረት ኣባኹም ዘሎ ኵኪስ፡ ነቲ ዒላማ ዚገበረ መዋዕውዒ እትዓግትሉ መገዲ ይህባኹም እየን። ኣብ ላዕሊ ንዘሎ ኣስማት ኩባንያ ብምጥዋቕን ናብ ነፍስወከፍ ኩባንያ ናብ ዝወስድ መርበባት-ሓበሬታ ንዝወስድ ሊንክ ብምኽታልን ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕተን ድማ ኣባላት Network Advertising Initiative ወይ Digital Advertising Allianceእየን፣ ነፍስወከፍ ድማ ነቲ ዒላማ ዚገበረ መዋዕውዒ ካብ ተሳተፍቲ ኩባንያታት ንምዕጋት ቀሊል መገዲ ይህባ እየን።
ኣብቲ እትቕበልዎ ኢ-መይል ንዚውሃብ ፍሉይ መምርሒታት ብምኽታል ነቲ ካብ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎትን Microsoft ዚልኣኽ ናይ ምውዕዋዕ ኢ-መይል ኣብ መጻኢ ንኸይትቕበሉ ጠጠው ከተብልዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ዝምልከተኩም ኣገልግሎት ምርኩስ ብምግባር፡ ንፍሉያት መርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት Microsoft ብዛዕባ እትቕበልዎ ናይ ኢ-መይል ምውዕዋዕ፣ ጻውዒታት ተሌፎንን መልእኽቲ ጶስጣን ብዚምልከት ምርጫታት ባዕልኹም እትመርጽሉ ዕድል ይህልወኩም እዩ።
ናይ ኢ-መይል ምውዕዋዕ ካባና እትቕበሉ ኴንኩም፡ ኣብ መጻኢ ድማ ንኸይትቕበሉ ደው ከተብልዎ ትደልዩ እንተዄንኩም፡ ኣብቲ መልእኽቲ ንዘሎ መምርሒታት ብምኽታል ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብቲ ዝምልከተኩም ኣገልግሎት ምርኩስ ብምግባር፡ ነዞም ዝስዕቡ ገጻት ብምኽፋትን ብምእታውን፡ ንፍሉያት መርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት Microsoft ብዛዕባ እትቕበልዎ ናይ ኢመይል ምውዕዋዕ፣ ጻውዒታት ተሌፎንን መልእኽቲ ጶስጣን ብዚምልከት ምርጫታት ባዕልኹም እትመርጽሉ ዕድል ይህልወኩም እዩ፥
እዚ ምርጫታት’ዚ፡ ንቀጥታዊ (ኦንላይን) መዋዕውዒ ዚምልከት ኣይኮነን፥ ኣብዚ ጉዳይ ብዚምልከት ሓበሬታ ንኽትረኽቡ፡ ብኽብረትኩም ንክፍሊ "Display of Advertising (Opt-out)" ተወከሱ። ከም ክፋል ገለ ኣገልግሎታት Microsoft ዚውሰድ ግዱድ መልእኽቲ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምቕባል ዚምልከት ኣይኮነን፣ ነዚ ኣገልግሎት እንተዘይሰሪዝክምዎ፡ በብግዚኡ ክትቅበሉ ኢኹም።
ሕሳብ Microsoft (ኣቐዲሙ ብWindows Live ID ከምኡውን Microsoft Passport ዚፍለጥ ዝነበረ)፡ ኣብ ፍርያት፣ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን Microsoft ንኽትኣትዉ ከምኡውን መሻረኽቲ Microsoft ንኽትመርጹን ዚገብር ኣገልግሎት እዩ። ሕሳብ Microsoft ክትፈጥሩ ከለኹም፡ ገለ ሓበሬታ ንኸተእትዉ ንሓተኩም ኢና። ንዘለኩም ሕሳብ Microsoft ብምጥቃም ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣተኽሙሉ ግዜ፡ ሕሳብኩም ብኻልእ ሰብ ንኸይእቶ ንምክልኻልን ንኣገልግሎት ሕሳብ Microsoft ኣብ ምጥቃም ዘሎ ስሉጥነትን ውሕስነትን ንምዕቃብን ኣብ ክንዲ’ቲ እትኣትውዎ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ኴንና ንመንነትኩም ንምርግጋጽ ገለ ሓበሬታ ንእክብ ኢና። ብዘለኩም ሕሳብ Microsoft ገይርኩም ናብ እትኣትውዎ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ድማ ንገለ ሓበሬታ ንልእኽ ኢና።
ሕሳብ Microsoft ብኸመይ ከምእትፈጥሩን ከምእትጥቀሙን፣ ሓበሬታ ሕሳብኩም ብኸመይ ከምእትቀያየሩን ምስ ሕሳብ Microsoft ዚተኣሳሰር ሓበሬታ ብኸመይ ከምእትእክቡን እትጥቀሙን ዜጠቓልል ብዛዕባ ሕሳብ Microsoft ዚምልከት ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርኣይ፡ ብኽብረትኩም ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ (Learn More) ጠውቑ።
ሕሳብ Microsoft (ኣቐዲሙ ብWindows Live ID ከምኡውን Microsoft Passport ዚፍለጥ ዝነበረ)፡ ኣብ ፍርያት፣ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን Microsoft ንኽትኣትዉ ከምኡውን መሻረኽቲ Microsoft ንኽትመርጹን ዚገብር ኣገልግሎት እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ስዒቡ ዘሎ ፍርያት፣ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን የጠቓልል፥
ምኽፋት ሓድሽ ሕሳብ Microsoft።
ኣድራሻ ኢመይል፣ ፓስዎርድን ከም ካልእ ኣማራጺ ሕሳብ ኢመይል፣ ቍጽሪ ተሌፎንን ምስጢራዊ ሕቶን መልስን ዝኣመሰለ ካልእ “መረጋገጺ ሕሳብ”ን ብምሃብ፡ ሓድሽ ሕሳብ Microsoft፡ ኣብዚ ክትከፍቱ ትኽእሉ። ንዕላማታት ውሕስነት ጥራይ፡ ንኣብነት፥ ኣብ ዘለኩም ሕሳብ Microsoft ክትከፍቱ ኣብ ዘይከኣልክሙሉ ግዜን ሓገዝ ኣብ ዘድልየኩምን ንመንነትኩም ንምርግጋጽ ወይ ድማ ምስ ዘለኩም ሕሳብ Microsoft ዚተኣሳሰር ኣድራሻ ኢመይል ክትከፍቱ ስለዘይከኣልኩም ንፓስዎርድኹም ንምቕያር፡ ን“መረጋገጺ ሕሳብ” ክንጥቀም ኢና። ሓደ ሓደ ኣገልግሎታት፡ ተወሳኺ ውሕስነት የድልዮ እዩ፣ ኣብ ከምዚ እዋናት ድማ ተወሳኺ መፍትሕ ውሕስነት ንኽትፈጥሩ ክትሕተቱ ይከኣል እዩ።. ሓድሽ ሕሳብ Microsoft ንኽትከፍቱ እትጥቀሙሉ ኣድራሻ ኢመይልን ፓስዎርድን፡ ኣብ ዘሎና መርበብ ፍቓድ ንኽትረኽቡ እትጥቀሙሉ “መረጋገጺታትኩም” እዩ። ብተወሳኺ፡ ናይ 64-bit ፍሉይ መለለዪ ቍጽሪ፡ ንመረጋገጺታትኩም ኪውሃብ እዩ፣ ንዘለኩም መረጋገጺታትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ሓበሬታን ንምልላይ ድማ የገልግል።
ሓድሽ ሕሳብ Microsoft ኣብ እትኸፍትሉ ግዜ፡ ነዚ ዚስዕብ ስነ-ህዝባዊ ሓበሬታ ንኽትህቡ ክንሓተኩም ኢና፥ ጾታ፣ ሃገር፣ ዕለተ-ልደት፣ ከምኡውን ፖስታል ኮድ። ከምቲ ዞባዊ ሕጊ ዜገድዶ፡ ቆልዑ፡ ንሕሳብ Microsoft ንኽጥቀሙ ፍቓድ ካብ ወለዲ ወይ መጉዚት ከምዝረኸቡ ንምርግጋጽ ንዕለተ-ልደት ንጥቀም። ብተወሳኺ፡ ጠቓሚ ኮይኑ ብዛዕባ እትረኽብዎ ፍርያትን ኣገልግሎትን ዚምልከት ውልቃዊ መዋዕውዒታት ንኽንገብር፡ በቲ ዘሎና ቀጥታዊ ስርዓተ-ምውዕዋዕ ኣቢልና ንስነ-ህዝባዊ ሓበሬታ ንጥቀም ኢና፣ እቲ ዘሎና ስርዓተ-ምውዕዋዕ ግን ንስምኩም ወይ መወከሲ ሓበሬታኹም ብፍጹም ኣይጥቀምን እዩ። ብኻልእ ቃላት፡ እቲ ዘሎና ስርዓተ-ምውዕዋዕ፡ ነቲ ብውልቅን ብቐጥታን ከፍልጠኩም ዚኽእል ዝኾነ ሓበሬታ (ከም ስምኩም፡ ኣድራሻ ኢመይልኩምን ቍጽሪ ተሌፎንኩምን) ኣይክሕዝን ወይ ኣይክጥቀምን እዩ። Iናይ ውልቂ መዋዕውዒታት ንኽትቅበሉ ዘይትመርጹ እንተዄንኩም፡ ነዚ ገጽ ብምኽፋት ብዘለኩም ሕሳብ Microsoft ገይኩም ንምርጫኹም ክትምዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ብዘለኩም ሕሳብ Microsoft ናብ መርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት ኣብ እትኣትውሉ ኵሉ ግዜ፡ እቲ ዘሎና ስርዓተ-ምውዕዋዕ፡ ውልቃዊ ዚኾነ መዋዕውዒታት ከምዝመጻእኩም ኣይገብርን እዩ። Microsoft፡ ንሓበሬታ ብኸመይ ንመዋዕውዒ ከምዝጥቀመሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽትረኽቡ፡ ብኽብረትኩም ንመወሰኽታ ምስጢራውነት መዋዕውዒ ማይክሮሶፍት ሓገዝ ብሕታውነት ምውዕዋዕ Microsoft ርኣዩ።
ሓድሽ ሕሳብ Microsoft ክትከፍቱ ከለኹም፡ ብMicrosoft ንዚውሃብ ኣድራሻ ኢመይል (ኣብ መወዳእታ ኣድራሻ፡ live.com, hotmail.com, ወይ msn.com ዘለዎ) ወይ ብሳልሳይ ኣካል ንዚውሃብ ኣድራሻ ኢመይል (ኣብ መወዳእታ ኣድራሻ፡ gmail.com ወይ yahoo.com ዘለዎ) ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓድሽ ሕሳብ Microsoft ኣብ እትኸፍትሉ እዋን፡ ምስ ሕሳብ Microsoft ዚተኣሳሰር ኣድራሻ ኢመይል ትውንንዎ እንተዄንኩም ንምርግጋጽ ንዓኹም ንምሕታት ኢመይል ክንሰደልኩም ኢና። እዚ ድማ ሓቅነት ኣድራሻ ኢመይል ንምርግጋጽን ብዘይ ፍቓድ ወነንቲ ድማ ንኣድራሻታት ኢመይል ንኸይጥቀም ኣብ ምክልኻል ንምሕጋዝን ዝተዳለወ እዩ። ስለዚ ድማ ንእትጥቀሙሉ ፍርያትን ኣገልግሎትን Microsoft ብዚተኣሳሰር እንገብሮ መልእኽቲ ርክባት ንምስዳድ ነቲ ኣድራሻ ኢመይል ንጥቀም፣ ከምቲ ዞባዊ ሕጊ ዘፍቅዶ ድማ ንፍርያትን ኣገልግሎትን Microsoft ዚምልከት ናይ ኢመይል መወዓውዒታት ክንሰደሉ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ምቕባል መልእኽታት ምውዕዋዕ ኣመልኪትኩም ንእትገብርዎ ቁጽጽር ዚምልከት ሓበሬታ ንኽትረኽቡ፡ ብኽብረትኩም ን ንመልእኽቲ ርክባት ከፊትኩም ርኣዩ።
ሓድሽ ሕሳብ Microsoft ክትከፍቱ ኣብ ዝፈተንክሙሉ ግዜ፡ ከምቲ እትጥቀሙሉ ስም (ዩዘር ኔም) ዘለዎ ብኣድራሻ ኢመይልኩም መረጋገጺታት (ክረደንሻልስ) ዝፈጠረ ካልእ ውልቀሰብ ከምዘሎ ኣብ ዝፈለጥክሙሉ ግዜ፡ ንዓና ብምውካስ፡ ናትኩም መረጋገጺታት ብምእታው ንኣድራሻ ኢመልኩም ንኽትጥቀሙ፡ እቲ ካልእ ውልቀሰብ ዘይናቱ ዝተፈልየ ስም ከምዝተጠቕመ ሓብሩ።
ብዘለኩም ሕሳብ Microsoft፡ ኣብ ሶፍትዌር፣ መርበባት-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት ከፊትኩም ምእታው።
ንዘለኩም ሕሳብ Microsoft ብምጥቃም ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣተኽሙሉ ግዜ፡ ሕሳብኩም ብኻልእ ሰብ ንኸይእቶ ንምክልኻልን ንኣገልግሎት ሕሳብ Microsoft ኣብ ምጥቃም ዘሎ ስሉጥነትን ውሕስነትን ንምዕቃብን ኣብ ክንዲ’ቲ እትኣትውዎ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ኴንና ንመንነትኩም ንምርግጋጽ ገለ ሓበሬታ ንእክብ ኢና። ንኣብነት፥ ኣብ እትኣትውሉ ግዜ፡ ኣገልግሎት ሕሳብ Microsoft፡ ንመረጋገጺታትኩምን ከም ንመረጋገጺታትኩም ዝተዋህበ ናይ 64-bit ፍሉይ ቍጽሪ መንነት፣ ኣድራሻ IP፣ ሕታም እትጥቀሙሉ መርኣዪ (ብራውዘር) መርበብ-ሓበሬታ ከምኡውን ሰዓትን ዕለትን ዝኣመሰለ ካልእ ሓበሬታን ይቕበልን መዝገብ ይሕዝን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሓንቲ እትጥቀሙላ መሳርሒት ወይ ኣብታ መሳርሒት ኣብ ዝተጻዕነ ሶፍትዌር ክትኣትዉ ኢልኩም ንሕሳብ Microsoft ኣብ እትጥቀሙሉ እዋን፡ ናይ ሃውሪ ፍሉይ መለለዪ ነታ መሳርሒት ይውሃብ፣ በቲ ዘለኩም ሕሳብ Microsoft ናብ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ንኽትኣትዉ እንተዄንኩም፡ እዚ ናይ ሃውሪ ፍሉይ መለለዪ፡ ከም ክፋል መረጋገጺታትኩም ናብ ኣገልግሎት ሕሳብ Microsoft ይለኣኽ። ኣገልግሎት ሕሳብ Microsoft፡ ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ፡ ናብቲ እትኣትውዎ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ይልእኽ፥ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት፡ ካብቲ ሓንሳእ ዝኣተኽሙሉ ግዜ ኣብ ዝቕጽል ኣብ እትኣትውሉ እዋን ንስኹም ምዃንኩም፣ ንሕሳብኩም ዝተዋህበ ቍጽሪ ሕታም (ንሓበሬታ መእተዊ ኣብ ዝቐየርክሙሉ ግዜ ዚውሃብ ሓድሽ ቍጽሪ)፣ ኣድራሻ ኢመይልኩም ዝተረጋገጸ እንተኾይኑ፣ ከምኡውን ሕሳብኩም ዝደስከለ እንተኾይኑ ንኸረጋግጽ ፍሉይ መለለዪ ቍጽሪ ይጥቀም።
ብዘለኩም ሕሳብ Microsoft ንኽትኣትዉ ዘፍቅዳልኩም ገለ መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎትን ሳልሳይ ኣካል፡ ኣገልግሎተን ንኽትረኽቡ ኣድራሻ ኢመይልኩም የድሊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣብ እትኣትውሉ ግዜ፡ Microsoft፡ ንኣድራሻ ኢመይልኩም እንተዘይኮይኑ ንፓስዎርድኹም፡ ነታ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ኣይህብን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት ንመረጋገጺታትኩም እንተድኣ ኣእቲኹም (እንተፈጢርኩም)፡ ንፓስዎርድኹም ንኽትቅይሩ ሓገዝ ንምሃብ ወይ ካልእ ኣገልግሎታት ደገፍ ንምሃብ፡ ምስ መረጋገጺታትኩም ንዝተኣሳሰር ሓበሬታ ውሱን ፍቓድ ክህልወን ይኽእል እዩ።
ከም ቤት ትምህርቲ፣ ትካል፣ ወሃቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ወይ ኣማሓዳሪ ምክትታል ዚግበረሉ ዶመይን ብዝኣመሰለ ሳልሳይ ኣካል ነቲ ዘለኩም ሕሳብ ዝተቐበልኩም እንተዄንኩም፡ እዚ ሳልሳይ ኣካል፡ ንፓስዎርድኩም ንምቕያር፣ ንዝተጠቐምክሙሉ ሕሳብ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታ ንምርኣይ፣ ንሕሳብኩም ንምንባብ ወይ ንምዕቃብ ከምኡውን ንሕሳብኩም ንምውንዛፍ ወይ ንምስራዝ ዘሎ ተኽእሎ ዜጠቓልል ኣብ ሕሳብኩም መሰላት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ን ስምምዕ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት ከምኡውን ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝተዋህበ ተወሳኺ ስምምዕ ኣገልግሎት ትቕየዱ። ኣማሓዳሪ ምክትታል ዚግበረሉ ዶመይን ኴንኩም፡ ሕሳባት Microsoft ንዘለውኹም ተጠቀምቲ ዝሃብኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕሳባት ንዝካየድ ኵሉ ንጥፈታት ብሓላፍነት ትስከሙ።
ነቲ ብዘለኩም ሕሳብ Microsoft ንኽትኣትዉ ዘፍቅደልኩም መርበባት-ሓበሬታን ኣገልግሎታትን፡ ብመሰረት ኣብ ቃል-መግለጺታት ምስጢራውነት ዝተገልጸ ንዝሃብክሙዎ ኣድራሻ ኢመይልኩም ወይ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታ ክጥቀም ወይ ንኻልእ ክህብ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ ነቲ እትሓትዎ ኣገልግሎት ወይ መልእኽቲ-ርክባት ንምምላእ ጥራይ ተባሂሉ ብኣገልግሎት ሕሳብ Microsoft ንሳልሳይ ኣካላት ንዝተዋህበ ፍሉይ መለለዪ ቍጽሪ ንኻልእ ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ሕሳብ Microsoft ዝጥቀም ኵሉ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት፡ ዝተዘርግሔ ቃል-መግለጺ ምስጢራውነት ክህልዎ ዚግደድ እኳ እንተኾነ፡ እዘን መርበባት-ሓበሬታ ንዘካይድኦ ንጥፈታት ምስጢራውነት ኣይንቆጻጸሮን ወይ ኣይንከታተሎን ኢና፣ እቲ ዘካይድኦ ንጥፈታት ምስጢራውነት፡ ይፈላለ እዩ። ነፍስወከፍ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎት፡ ነቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ብኸመይ ክጥቀመሉ ምዃኑ ንምውሳን፡ ንቃል-ምስክርነት ምስጢራውነት ናይቲ እትኣትውዎ ነፍስወከፍ መርበብ-ሓበሬታ ብጥንቃቐ ክትግምግሙ ይግባእ።
ናብ ሕሳብ ብምእታው ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ዘለኩም ሕሳብ Microsoft ብምክትታል ዚግበረሉ ዶመይን ዝተዋህበ እንተዘይኮይኑ፡ ንእትጥቀሙሉ ስም (ዩዘር ኔም) ክትቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንዘለኩም ፓስዎርድ፣ ኣማራጺ ኣድራሻ ኢመይል፣ ቍጽሪ ተሌፎን ከምኡውን ናይ ምስጢር ሕቶን መልስን ኵሉ ግዜ ክትቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም። ናብ መፍለዪ ድሕሪኡ ድማ ናብ "መፍለዪኻ ዕፆ" ብምኻድ ን ሕሳብMicrosoft ክትዓጽዉ ትኽእሉ ኢኹም። ዘለኩም ሕሳብ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ካብ ምክትታል ዚግበረሉ ዶመይን እንተኾይኑ፡ ንዘለኩም ሕሳብ ንምዕጻው ፍሉይ መስርሕ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ተጠቃሚ MSN ወይ Windows Live እንተዄንኩም፡ ናብ ሕሳብኩም ኣብ ዝኸድክሙሉ እዋን፡ ናብቲ መርበባት-ሓበሬታ ንኽትኣትዉ ናብ ሕሳብኩም ከምእትኸዱ ኪግበር ምዃኑ ብኽብረትኩም ተገንዘቡ።
ብዛዕባ ሕሳብ Microsoft ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ሕሳብ ማይክሮሶፍት ይርከብ እዩ።
ብዛእባ ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ
ንኣኻ አገዳሲ ዝኾነ (ዘይኾነ) ተወሳኺ ናይ ውልቐ ሓበሬታ ኣብ ታህቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብዚ መብዛሕቱ፡ ክትፈልጥዎ ብዛዕባ እንደልዮ ኣብ ባይታ ዘሎ ንጥፈታት ዚገልጽ ኮይኑ፡ ንዘሎና ነፍስወከፍ ቃል-መግለጺታት ምስጢራውነት ንኽንሽፍን ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይስምዓናን። ገለ ካብዚ ድማ ብሩህ’ዩ (ንኣብነት፥ ሕጊ ምስዘገድደና ሓበሬታ ኸነርኢ ምዃንና)፡ እዚ ግን እቶም ዘለዉና ጠበቓታት ከምኡ ንኽንገብር ምስ ዝሓቱና እዩ። በጃኻ እዚ ሓበሬታ ናትና ንጥፈታት ብምሉዕ ከምዘይገልጽ ኣስተውዕል - እዚ ኹሉ ምስ ካልኦት ተወሳኺ፣ ዝኾነ ብዛእባ ንስኻ ዝትጠቐሞም ናይ Microsoft ፍርያትን ግልጋሎትን ተወሳኺ ፍልፍል ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ውልቓዊ መግለጺታት ኣሎ።
ኣብዚ ገጽ:
ውልቓዊ ሓበሬታ ምክፋል ወይከኣ ምግላጽ
ንስኻ ስለዝትጠቐሞም ፍርያት ወይካኣ ግልጋሎት ኣብ ውሽጢ ውልቓዊ መግለጺ ካብዝተገለጸ ዝኾነ ምክፋል ብተወሳኺ፣ Microsoft ውልቓዊ ሓበሬታ ንምክፋል ወይካኣ ንምግላጽ ይኽእል፡
ትሕዝቶ ርክብካ ወሲኹ፣ ውልቓዊ ሓበሬታ ክናካፍል ወይከኣ ከናፍልጥ ኢና፡
እቲ ዘሎና መርበባት ሓበሬታ፡ ንንጥፈታት ምስጢራውነት ካብ ናይ Microsoft ፍልይ ናብ ዝበለ መርበባት-ሓበሬታ ሳልሳይ-ኣካል ዚወስድ ሊንክ ክሕዝ ከምዝኽእል ብኽብረትኩም ተገንዘቡ። ውልቃዊ ሓበሬታ ናብ’ዘን መርበባት-ሓበሬታ ኣብ እተእትውሉ እዋን፡ ሓበሬታኹም፡ ኣብቲ መርበባት-ሓበሬታ ብዘሎ ቃል-መግለጺታት ምስጢራውነት ይመሓደር። ዝትጠቐሞ ዝኾነ ዓውደ ፋእሚ ንዘለዉ ናይ ውልቓዊ መግለጺ ክትርኣ ክናደፋፈርካ ኢና።
ናይ ውልቓዊ ሓበሬታ ድህንነት ምሕላው
Microsoft ናትካ ናይ ውልቓዊ ሓበሬታ ድህንነት ንምሕላው ቃል ይኣቱ። ካልኦት ኣብ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ብዘይሕጋዊ መገዲ ንኸይኣትዉ፣ ንኸይጥቀሙሉ ወይ ንኸይርኡ ኣብ ምክልኻል ዚሕግዝ ዝተፈላለየ ተክኖሎጂ ውሕስነትን ኣገባባትን ንጥቀም ኢና። ንኣብነት፥ ነቲ እትህቡና ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ንኽትጥቀመሉ ውሱን ኣብ ዝኾነን ክትትል ዝግበረሉን ስርዓተ-ኮምፕዩተር ንዕቅቦ። ኣዝዩ ምስጢራዊ ሓበሬታ (ንኣብነት ከም ቍጽሪ ወይ ፓስዎርድ ክረዲት ካርድ) ብመገዲ ኢንተርነት ኣብ እነመሓላልፈሉ እዋን፡ ከም Secure Socket Layer (SSL) protocol ብዝኣመሰለ ብዝተሓላለኸ ኮድ ብምእሳር (ኢንክሪፕት ብምግባር) ንሕልዎ።
ፓስዎርድ፡ ንዘለኩም ሕሳባትን ውልቃዊ ሓበሬታን ንኽሕሎ እትጥቀሙሉ እንተዄንኩም፡ ንዘለኩም ፓስዎርድ ብምስጢር ንኽትሕዙ ሓላፍነትኩም እዩ። ንኻልእ ኣይትሃቡ። ሓሳቢቶ ምስ ካልዕ ሰብ ብሓባር ክትጠቐም እንተለኻ፣ሓበሬታኻ ካብ ቀጻላይ ተጠቓማይ ንምሕላዉ ኣብ ኩሉ ግዜ ቕድሚ ካብ ዓውደ ፋእሚ ወይ ግልጋሎት ምውጻካ ንካውንትኻ ዓጺኻ ምውጻእ ኣለኻ።
ሓበሬታ ኣበይ ከምዚቕመጥን ከምዚከውንን
ካብ Microsoft ዓውደ ፋእሚታትን ግልጋሎታትን ዝተዓከበ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ዩናይትድ ስቴትስ ወይካኣ Microsoft ወይካኣ ተሓባበርቲ፣ ተቀጽላታት ወይካኣ ግልጋሎት ወሃብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘለዉ ዓዲ ክቕምጡን ክከወኑን ኢዮም። Microsoft በዩኤስ ሚኒስቴር ንግዲ ካብ ሕበረት ኣውሮፓ፣ ካብ ኣውሮፓ ምጣኔያዊ ቀጠናን ካብ ስዊዘርላንድ ናይ ሓበሬታ ዕከባ፣ አጠቓቕማን ኣቐማምጣን ብዚምልከት ዝወፃ ሕጊ ኣክቢሩ ይሰርሕ። ብዛዕባ ዝተሓለወ ሃርበር ፍሬምዎርክ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብን ናይ መረጋገጺ ንምርኣይ፣ በጃኻ ንቀጻሊ ዓውደ ፋእሚ ርኣ http://www.export.gov/safeharbor/።
ብዛእባ ተሳትፎ Microsoft አብ ደህንነት መሓለውታ ፕሮግራም፣ TRUSTe ዚበሃል ናጻ ዝኾነ ሳልሳይ ወገን ተጠቒምና ምስ ፖሊሲናና ኣሰራርሕና ዝተሓሓዘ ዘይምርድዳዕ እንተሓሊኩም ንምፍታሕ ክንፈትን ኢና፡፡ ምስ TRUSTe ርክብ ንምግባር እንተደሊካ፣ በጃኻ ቀጻላይ ገጽ መርበብ ርኣ፡ https://feedback-form.truste.com/watchdog/request።
Microsoft ንዝተፈላለየ ዕላማታት ኢሉ ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ኪሕዝ ይኽእል እዩ፣ ንሱ ድማ በቲ ዘሎና ሕጋዊ ግዴታት ንምቕያድ፣ ግጭታት ንምፍታሕ፣ ዘሎና ስምምዓት ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ኣድላዪ ክሳዕ ዚኾነ ድማ ኣገልግሎታት ምሃብ ንዚኣመሰለ እዩ። ውልቓዊ ሓበሬታኻ ብከመይ ክትረክብ ከምዝትኽዕል ንምፍላጥ፣ ነዚ ርኣ ናብ ሓበሬታኻ ምብጻሕ።
ናብ ውልቓዊ መግለጺታትና ለውጢ ምግባር
ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ውልቓዊ መግለጺታትና በምምሕያሽ ናይ ዓማዊልና ድልየትን ኣብ ግልጋሎትና ዝተገበሩ ለውጥታት ንምርኣይ ንኽእል ኢና። ንዝተገብረ ለውጥታት ኣብ ቃል-መግለጺ ክንዝርግሕ ከሎና፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል’ቲ ቃል-መግለጺ “መወዳእታ ዝተመሓየሸሉ” ዕለት ዝብል ጽሑፍ ንገብር ኢና። ኣብቲ ቃል-መግለጺ ቀንዲ ለውጥታት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ወይ Microsoft፡ ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ብኸመይ ከምዝጥቀመሉ ንምፍላጥ፡ ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ብዛዕባ’ቲ ለውጥታት ዚምልከት ሓበሬታ ብቐንዱ ክንህብ ኢና ወይ ብቐጥታ ሓበሬታ ክንሰደልኩም ኢና። Microsoft ሓበሬታኹም ብከመይ መገዲ ከምዝሕልው ንምርዳእ ንስኻ ዝትጠቐሞ ፍርያትን ግልጋሎታትን ውልቓዊ ሓበሬታ ብተወሰነ ግዜ ክትመርምር ንሓግዘካ።
ምሳና ብከመይ ምርካብ ከምዚኽእሉ
Microsoft Privacy, Microsoft Corporation, One Microsoft Way, Redmond, Washington 98052 USA
ኣብ ዓዲኹም ወይካኣ ሰፈርኩም ናይ Microsoft ሓጋዚ ትካል ንምርካብ፣ ርኣ http://www.microsoft.com/worldwide/።
FTC ቃል-መግለጺ ምስጢራውነት
ውሕስነት ኣብ ገዛ
Trustworthy Computing